← All News

ዜማ እምብዛ

· Fremnatos Charity Organization

ኣምባሳደር ዜማ እምብዛ

ኣምባሳደር ኣሸንዳ 2017ን ኣምባሳደር ትካል መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ሕሙማት ኣእምሮን ህዓናትን ፍሬምናጦስ ዝኾነት ዜማ እምብዛ ዝተፈላለዩ ብስኩታት ብምሻጥን መላእ ቤተሰባን ፈተውንታን ብምትሕብባርን ዘዋህለቶ 350,000.00 ብር ብኢድ ኣርቲስት ዓፉር ገይራ ንትካል መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ሕሙማት ኣእምሮን ህዓናትን ፍሬምናጦስ ኣበርኪታ ኣላ።

ኣብ ጉዮየለይ ከጎየልካ መሸጣ ቲሸርት ዓብዪ ግዱ ዝተዋፅኣት ኣምባሳደር ዜማ እምብዛ ሎሚ እዉን ከምቲ ልሙድ ኣብ ጎኒ ፍሬምናጦስ ደው ምባል ቀዒላ ኣላ።

ብሽም ኣቶም ተሓብሐብቲ ወገናት ፍሬምናጦስን ብሽም እግዚኣብሄርን ዝለዓለ ምስጋና ይብዓሕኪ እንዳበልና ሓገዝኪ ድማ ኣብ ቀፅልቲ እዋናት ኣብ ጎንና ከምዝኸዉን በዓል ሙሉእ እምነት ኢና። የቐንየኣልና።