ናይ ምሳሕ እንግዶት
· Fremnatos Charity Organization

ኣ ይተ ሓየሎምታመነ(ዪሉድ)፣ ኣይተ ተወልደ ግደይ(ወዲ ሓው ኣቦ)፣ ኣቶ እጅጋየሁ ተካ(መሓዛ)ን ናይ ነፍስሄር ኣቶ ታመነ ገ/ዋህድ ናይ ተስካር መዓልቲ ምኽንያት ብምግባር ናብ ትካል መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ሕሙማት ኣእምሮን ህዓናትን ፍሬምናጦስ ብምምዓእ ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣቕሪቦም።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ትካል መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ሕሙማት ኣእምሮን ህዓናትን ፍሬምናጦስ ዑደት ድሕሪ ምግባር ናይ 50,000.00 ቅርሺ ሓገዝ እውን ገይሮም።
መስረቲ ትካል መሐብሐቢ ኣረጋዉያን ሕሙማት ኣእምሮን ህዓናትን ፍሬምናጦስ ዝኾኑ ኣብ ገ/መድህን በርሀን ኣባ ሳሙኤል ኣስገዶምን ድማ በቲ ዝተገበረ ሓገዝ ምስጋንኦም ድሕሪ ምቕራብ ካልኦት ኣካላት ማሕበረሰብ እውን ነዚ ሰናይ ተግባር ንክስዕቡ ተላቢዮም።
